ኣመራርሓ ቦርድ ኮምፕረሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት መደበኛ ስብሰባኡ ኣካይዱ

ኣመራርሓ ቦርድ ኮምፕረሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ትማሊ ሓምለ 30/2018 ዓ.ም. መደበኛ ስብሰባኡ ብምክያድ፣ ኣፈጻጽማ ትልሚ 2018 ዓ.ም.፣ ምሕደራ እቲ ሆስፒታል፣ ከምኡ እውን ኣብ ምምሕዳር ሆስፒታላት ዝምልከቱ ኣዋጃት፣ ደንብታትን መምርሒታትን ኣመልኪቱ ዓሚቝን ሰፊሕን ዘተ ኣካይዱ።

ኣብቲ ስብሰባ፣ ዓመታዊ ኣፈጻጽማ ሪፖርት እቲ ሆስፒታል ብዝርዝር ቀሪቡ ተገምጊሙ። ኣብ ግምገማ ዝተመዝገቡ ጥንኩራት ጎንታት ክዕቀቡ፣ ዝተራእዩ ድኽመታትን ውሱንነታትን ድማ ኣብ ቀጻሊ ዓመት ብዝተዋደደ መንገዲ ንኽፍትሑ ንጹር ኣንፈት ተቐሚጡ።

ብፍላይ ኣብ ኣዋህባ ግልጋሎት ሕክምና ዝተራእዩ ፀገማት፣ ኣብ ዕግበት ተገልገልቲ ዝረኣዩ ክፍተታት፣ ከምኡ እውን ኣብ ኣፈታትሓ ቅሬታታት ዘለዉ ድኽመታት ብዝርዝር ተገምጊሞም። ነዞም ተርእዮታት ንምፍታሕ ድማ ብቑዓት ሰራሕተኛታት ምምላእ፣ መሪሕነት ምጥንካርን ምምሕያሽ ምሕደራን ከም ቀንዲ ቀዳምነታት ተቐሚጦም።

ብተወሳኺ፣ እቲ ቦርድ፣ ኣመራርሓ እቲ ሆስፒታልን ላዕለዎት ኣመራርሓ ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራትን እቲ ሽግግር ውፅኢታዊ ኮይኑ ንኽዛዘም ብግዜ የለን መንፈስ ልዑል ተበግሶ ብምውሳድ ዘድልዩ ቀዳምነታት ብምልላይ፣ ንነፍሲ ወከፍ ኣካል ንጹር ናይ ስራሕ ክፍፍልን ሓላፍነትን ኣቐሚጡ።

ኣብ እቲ ስብሰባ፣ ናይ ፌደራል ሆስፒታላት ኣዋጃት፣ ደንብታትን መምርሒታትን ኣብ ኮምፕረሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ብኸመይ ክትግበሩ ከም ዝኽእሉ ዝምልከት መብርሂ ብዶ/ር ስምኦን፣ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ፣ ቀሪቡ ሰፊሕ ምይይጥ ተኻይዱ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ስብሰባ፣ ምክትል ፕረዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ዓዲግራትን ኣካቢ ቦርድ እቲ ሆስፒታልን ዝኾኑ ፅጋብ ኣረጋዊ (ተሓባባሪ ፕሮፌሰር) ኣብ ዘሕለፍዎ መጠቓለሊ መልእኽቲ፣ ኣብቲ ዘተ ዝተነፀሩ ቀዳምነታት ብዝርዝር ናይ ኣፈጻጽማ ትልሚ ተዳልዩ ክትግበር ከም ዘለዎ ገሊጾም። ከምኡ እውን ኣመራርሓ ቦርድ እቲ ሆስፒታል ኣብ ኣፈጻጽማ እቶም ስራሕቲ ብቐጻሊ ክትትልን ግምገማን ከም ዝገብር ኣረጋጊፆም።

ብተወሳኺ፣ ኣብ 2019 ዓ.ም. እቲ ቦርድ ምስ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር፣ ብቕዓት ዘለዎን ጽሩይን ኣገልግሎት ሕክምና ንምሃብ፣ ተሓታትነት ንምጥንካርን ዕግበት ተገልገልቲ ንምምሕያሽን ብዑቱብ ከም ዝሰርሕ ኣረጋጊፁ።