ኣመራርሓ ቦርድ ኮምፕርሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት መደበኛ ስብሰብኡ ኣካይዱ።

ኣመራርሓ ቦርድ ኮምፕርሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ኣብ ዙርያ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብዕምቆት ዘትዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ። ቦርድ እቲ ሆስፒታል ካብ ዝዘተየሎም ዛዕባታት ካብ ሐፈሻዊ ሆስፒታል ናብ ሪፈራል ሆስፒታል ዝግበር ስግግር ዘለው ፈተናታቱን መውፅኢ መንገድታቱን፣ ናይ 9 ወርሒ ናይ ስራሕ ኣፈፃፅማ ሪፖርት፣ ፀገማት ኣወሃባ ግልጋሎት ሕክምና፣ምስትክካል መሪሕነት እቲ ሆስፒታል ዝምልከት ሓዊሱ ካልኦትን ተዛትዩ እዩ።

እቲ ሆስፒታል ቅድሚ ናብ ዪኒቨርስቲ ምእታው ዝነበርዎ ውዙፋ ዘይተዓፀው ናይ ፋይናንስ ክፍሊታት ካብቲ ናይ ሕጊ አግባብ ተከቲሉ ክዕፆ ዝወሰነ ኮይኑ ምስ ክፍሊት ካሽ ተተሓሒዙ ዝፍጠር ዝነበረ ናይ አከፋፍላ ፀገማት ብህፁፅ ነዚ አገልግሎት ዝውዕል አካውንት ተከፊቱ ናብ ስራሕ ክውዕል እቲ ቦርድ ወሲኑ።

እቲ ሆስፒታል ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕቲን ዘጋጥሙ ዕንቅፋታትን ንምፍታሕ ዘክእል ዋዕላ ህዝቢ ተገይሩ ተገልጋላይ ክፈልጦን አካል መፍትሒ ክከውንን ብህፁፅ ከም ዝስራሕን አብ ዝቅፅሉ 3 ኣዋርሓት ከም ክፍፀምን ተወሲኑ።

ዓዲግራት ዩኒቨርስቲ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል አብ ሽግግር ዝርከብ ኮይኑ እቲ ሽግግር ዕውት ንክኮን ብዙሕ ፃዕሪን ተከተታሊ ስልጠናታታት ይወሃቡ ከም ዘሎን እዙይ ክዓ ብኣወንታ ዝረአ ምኳኑን ተጠናኪሩ ክቅፅልን ቦርድ እቲ ሆስፒታል ኣመላኪቱ ኣሎ።

ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተነፀሩ ጉዳያት ናይ ኣፈፃፅማ ትልሚ ብምድላው ዝፍፀሙ ኮይኖም ዝበፅሕዎ ደረጃን አፈፃፅምኦምን ንምግምጋም ካልአይ መደበኛ ስብሰባ ቦርድ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ኮምፕረሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ንሰነ 11/10/2018 ዓ/ም ከም ዘካይድ አቀሚጡ ስብሰብኡ ዛዚሙ እዩ።